ናይ ክፍሊትን ናይ ስራሕን መሰላት
ናትካ ናይ ሰራሕተኛ መሰላትካ ብመስረት ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሓለወ እዩ።
እዚ ናይ ሓበሬታ ወረቀት እምበኣር መሰረታዉያን ዝበሃል ናይ ስራሕ መሰላትካ ዝርዝርን ዝያዳ ሓበሬታ ወይ ምኽሪ ደሊኻ ኣብ እትደልየሉ እዋን ድማ ኣየናይ ትካል ናይ መንግስቲ ክሕግዘካ ምዃኑን ዝሕብር እዩ።
መእተዊ
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናትካ ናይ ሰራሕተኛ መሰላትካ ብመስረት ሕጊ ዝተሓለወ እዩ።
እተን ቀንዲ ሰለስተ ናይ መንግስቲ ትካላት ንስኻ እቲ ክትክፈሎ ዝግበኣካ ግቡእ ክፍሊትካ ትኽፈል ከም ዘለኻ ኣብ ቦታ ስራሕ ምዝመዛ ይበጽሓኻ ከም ዘየሎ ዘረጋግጻን እዘን ዝስዕባ እየን፡
- ዘ ጋንስግስ ማስተር ኤንድ ላቦር አብዩዝ ኣዉቶሪቲ
- ሂስ ማጀስቲ ረቨኑ ኤንድ ካስተም (ኤችኤምኣርሲ) ናይ ሃገራዊ ዝተሓተ ደሞዝ ጉጅለ (ኤንኤምዳብሊዉ)
- ዘ ኢምፕሎይመንት ኤጀንሲ ስታንዳርድ ኢንስፐክቶሬት ቲም (ኢኤይኤስ)
ተሓባቢርና ብምዕያይ ንስኻ ክትክፈሎ ዝግበኣካ መጠን ክፍሊት ከም እትኽፈል ከነረጋግጽ ኢና
ዘ ጋላ(GLAA) ንናብ ኩሉ ቦታታት ናይ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ዝከላኸል እዩ፡ ናይ ሰራሕተኛታት ምዝመዛ ይምርምርን ይገትእን በተወሳኺ ድማ ኣብ ናይ ፍረሽ ፍርያት ኣቅርቦት ዘለዉ ቆጸርቲ ሰራሕተኛታት ይቆጻጸር።
ኤችኤምኣርሲ(HMRC) ሰራሕተኛታት ግቡእ መጠን ክፍሊቶም ይኸፈሉ ከም ዘለዉ ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎ እዚ ድማ ብመሰረት ዕድሜኦምን ዝሰርሕዎ ስራሕን እቲ ብሕጊ ዝፍቀድ ዝወሓደ መጠን ገንዘብ ይኸፍሉ ኣለዉ ዶ ዝብል እዩ።
ኢኤኤስ(EAS) ንኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ስራሕ ወሃብቲ ኤጀንሲታትን ናይ ስራሕ ቢዝነሳትን ነቲ ሕጊ ናይ ስራሕ ይኽተላ ምህላወን ይቆጻጸር።
ኣብ ስራሕ ዘሎካ መሰላት
ገለ ገለ መሰላት ካብታ ስራሕ ዝጀመርካላ እዋን ጀሚሩ ዝምልከተካ ይኸዉን፡ ገለ ገለ መሰላት ድማ ኣብቲ ስራሕ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ጌርካ ኣለኻ ዝዉስኖ ይኸዉን። ብዛዕባ ናይ ስራሕ መሰላትካ ዝምልከት ሓበሬታ ንምምልካት ኣብ www.gov.uk ከምኡዉን www.acas.org.uk/advice ክትዉከስ ይከኣል።
ንስኻ ክትረኽቦ መሰል ዘሎካ፡
- ሕጋዊ ዝተሓተ መጠን ገንዘብ (ናሽናል ሚኒማም ዌጅ) ክትክፈል
- ኣብ ግዜ ስራሕ ዕረፍቲ ክህልወካ ከምኡዉን ካብ ስራሕ እተዕርፈሎም መዓልታት ክህልወካ
- እንዳተኸፈልካ ተዕርፎ ሆሊደይ ክህልወካ
- ዝርዝር ናይ ክፍሊትካ ዘርኢ ፐይ ስሊፕ ክወሃበካ
- ካብ ደሞዝካ ፍትሓዉን ሕጋዉን ዝኾነ ደሞዝ ክቁረጽ
- ዉሑስ ዝኾነ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ክህልወካ
- ኣብ ትሓመሉ እዋን ናይ ሲክ ፐይ ደሞዝካ ክኽፈለካ
- ቅዳሕ ናይቲ ናትካ ናይ ስራሕ ውዕላትን ቅጥዕታትን ክወሃበካ
ስራሕ ኣብ እትጅምረሉ ሰዓት ቅዳሕ ናይቲ ናትካ ናይ ስራሕ ዉዕላትካን ቅጥዕታት ክወሃበካ ኣለዎ። ቀንዲ መግለጺ(ፕሪንሲፓል ስቴተመነት) ዘለዎ ደኩመንት ኣብታ ስራሕ ዝጀመርካላ መዓልቲ ክወሃበካ ኣለዎ።
ጥዕና ከሙኡዉን ዉሕስነት
እቲ ዘስርሓካ ኣካል ኣብ ቦታ ስራሕ ንናትካ ጥዕና፡ ዉሕስነት ከምኡዉን ደሓን ምህላዉን ናይ ምሕላዉ ሓላፍነት ኣለዎ እዩ። ሓበሬታ፡ ስልጠናን ኣድላዩ ዝኾነ መከላኸሊ ክዳዉንቲ ወይ መሳርሒ ክህቡኻ ክኽእሉ ኣለዎም።
ስራሕ ቆጸርቲ ኤጀንሲታት (ሪክርዩትመንት ኤጀንሲ)
ሪክርዩትመንት ኤጀንሲ ሰባት ስራሕ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ትካል እዩ።
ቅድሚ ስራሕ ምርካብካ
እቲ ሪክርዩትመንት ኤጀንሲ ናይ ግዝያዊ (ቴምፖራሪ) ስራሕ ኣብ ዝረኽበልካ እዋን ኪ ኢንፎርሜሽን ዶክመንት (ኣገደስቲ ሓበሬታታት ዝሓዘ ደኩመንት ከይኣይዲ) ከምኡዉን ናይ ስራሕ ኩንትራት ክህበካ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ከይኣይዲ ደኩመንት ድማ እትኽፈሎ መጠን ገንዘብ ከምኡዉን ዝቁረጸካ ገንዘብ ብዝምልከት ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። እቲ ናይ ስራሕ ኩንትራት ድማ ናይቲ ንስኻ ጀሚርካዮ ዘለኻ ስራሕካ ዉዕላትን ቅጥዕታትን ዝገልጽ እዩ።
እቲ ኩንትራትካ እዞም ዝስዕቡ ከጠቃልል ኣለዎ፡
- ካብ ስራሕ ቅድሚ ምዉጽኦም ኣቀዲሞም ቅድሚ ክንደይ ክሕብሩኻ ከም ዘለዎም ዝሕብር ኖቲስ ፔሬድ
- መጠን ደሞዝካ
- ዝምልከተካ ዕረፍቲ ሆሊደይ
ዝምልከተካ ዕረፍቲ ሆሊደይ
እቲ ሪክርዩትመንት ኤጀንሲ እዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ዝሓዘ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ክህበካ ክኽእል ኣለዎ፡
- ኩንትራት ዝጅምረሉ ዕለት ከምኡዉን ንኽንደይ ምዃኑ እቲ ኩንትራት
- እቲ ንስኻ እትሰርሖ ናይ ስራሕ ዓይነት
- ቦታ ስራሕ
- ናይ ስራሕ ሰዓታት
- ዝኾነ ወጻኢታት
- ናይ ጥዕናን ናይ ዉሕስነትን ስግኣት ሓደጋ
- ዝኾነ ክህልዉኻ ዘለዎ ተሞክሮ፡ ስልጠና ወይ ሞያ
ክፍሊት
ሪክርዩትመንት ኤጀንሲታት ዝበዝሕ ግዜ ንዓኻ ስራሕ ንኽረኽቡልካ ገንዘብ ኣየኽፍሉኻን እዮም። ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ከም ሲቪ ምድላዉ ወይ መጓዓዝያ ዝኣመሰሉ ከኽፍሉኻ ይኽእሉ እዮም እንተኾነ ግና ቅድሚ ዝኾነ ክፍሊት ምኽፋሎም እንታይ ከም ዘኽፍሉኻ ብጽሑፍ ክሕብሩኻ ኣለዎም። እቶም ናይ ሪክርዩትመንት ኤጀንሲ ስራሕ ንኽረኽቡልካ ከም ቅድመ ኹነት ነዞም ኣገልግሎት ከኽፍሉኻ ኣይክእሉን እዮም ብተወሳኺ እዉን ብዘይ ዝኾነ መቅጻዕቲ ከተቋርጾ መሰል ኣሎካ።
ኣብቲ ስራሕ 12 ሳምንቲ ምስ ሰራሕኻ እቶም ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ዘለዎም መሰላት ኩሉ ንዓኻዉን ይግበኣካ እዩ።
ምልክታት ተዓዘብ
ሓደ ሰብ ምዝመዛ ይበጽሖ ምህላዉ ወይ እዉን ተቆጻጺሮሞ ምህላዎም ከመልክት ዝኽእል ዝተፈላለየ ምልክታት ኣለዉ እዮም፡ እዚኣቶም ድማ ኣዝዩ ትሑት መጠን ክፍሊት ወይ ብዘይ ክፍሊት ከም ዝሰርሕ ምግባር ወይ ድማ ብናጽነት ክትዘራረብ ዘይምኽኣል።
ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ www.gla.gov.uk ወይ ድማ ናብ 0345 602 5020 ብምድዋል ወይ ናብ communications@gla.gov.uk ኢሜይል ብምልኣኽ ናትና ስፖት ዘ ሳይን(ምልክታት ኣስተብህል) ክወሃበካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ ናይ ሰራሕተኛ ምዝመዛ ዝምልከት ዝኾነ ዘተሓሳስበካ ጉዳይ እንተደኣ ኣሎ ወይ ድማ ክትክፈሎ ዝግበኣካ መጠን ገንዘብ ምስ ዘይትኽፈልን እቲ ናይ ስራሕ ቅድመ ኹነት ምስ ዘይማላኣልካ ከይደንጎኻ ክትረኽበና ንላቦ።
ናሽናል ሊቪንግ ዊጅ እና ናሽናል ሚኒማም ዌጅ (ሃገራዊ ዝተሓተ ንኽትነብር ዘድልየካ ክኽፈለካ ዘለዎ ደሞዝ)
ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ብሕጊ ናሽናል ሊቪንግ ዌጅ ወይ ድማ ናሽናል ሚኒማም ዊጅ መጠን ደሞዝ ኣብ ሰዓት ክትክፈል መሰል ኣሎካ። ናሽናል ሊቪንግ ዌጅ(ዝተሓተ ክትነብር ዘድልየካ ክኽፈለካ ዘለዎ ደሞዝ) ልዕል ዝበለ እዩ - እዚ ዓይነት ክፍሊት ሰራሕተኛታት ዕድሜኦም 21 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ምስ እትኸዉን ትኽፈሎ እዩ።
ንመን ትሰርሕ ኣለኻ፡ ናይ ሓጺር ግዜ ኮንትራክት ዓይነት ስራሕ ወይ ናይ ኤጀንሲ ስራሕ ትሰርሕ ብዘየገድስ ብዕድሜኻ መሰረት እንተወሓደ ክትወሃቦ ዘለካ ዝተሓተ ዓይነት ደሞዝ ክትክፈል ክትክእል ኣሎካ።
ንዓኻ ዘስርሓካ ዘሎ ኣስራሒኻ ቅኑዕ መጠን ክፍሊት ይኸፍለካ ኣሎ ዶ?
ዘስረሓካ ዘሎ ኣስራሒኻ ጌጋ ክፍጽም ይኽእል እዩ፡ እዚ ድማ ትሕቲ እቲ ንስኻ ክትክፈሎ ዝግበኣካ መጠን ገንዘብ ጌርዎ ክኸዉን ይኽእል እዩ። ዋላ እዉን ቅቡል ዝኾነ ደሞዝ ኣብ ሰዓት ይኽፈለካ እንዳ ሃለወ። እዚ ዘጠቃልሎ ድማ፡
- ክዉስኹኻ ዝግብኦም መጠን ደሞዝ ዘይምዉሳኽ፡ ንኣብነት፡
- እዚ ድማ ወርሒ ሚያዝያ ምዉሳኽ ደሞዝ ኣብ ዝካየደሉ ሰዓት እዩ
- ዕድሜኻ 18 ዓመት ወይ ድማ 21 ዓመት ኣብ ዝኾንካሉ እዋን
- ዕድሜኻ 19 ዓመት ወይ ድማ ልዕሌኡ ምስ ዝኸዉን እሞ ቀዳማይ ዓመት ናይ ኣፓረንትሺፕ ወዲእካ እንተደኣ ኮይንካ
- ዘይክፈለካ ሰዓት - ካብ ሰዓትካ ቀዲምካ ምስ ትርከብ ወይ ድማ ካብ ክትወጸሉ ዝግበኣካ ሰዓት ደንጉኻ ምስ እትወጽእ
- ናይ ጉዕዞ ሰዓት - እዚ ናብ ቦታ ስራሕካ እትጓዓዞ ሰዓት ዘይኮነ ኣብ ስራሕ እንዳሃለኻ እትገብሮ ጉዕዞ እዩ፡ ንኣብነት ካብ ሓደ ዓሚል ናብ ካልእ ዓሚል ኣብ ምኻድ እተጥፎኦ ግዜ
- ናይ ስልጠና ሰዓታት - እዚ ድማ ኣብ መንበሪ ገዛኻ፡ ኣብ ኮሌጅ ከምኡዉን ኣብ ቦታ ስራሕ ዝግበር ስልጠና
- መንበሪ ቤት - ናትካ ኣስራሒኻ ናብ መንበሪ ቤት ከኽፍለካ ይኽእል እዩ እዚ ግና ንመዓልቲ ሓደ ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ እዩ እንድሕር ደኣ ካብዚ መጠን እዚ ንላዕሊ ኣኽፊሎምኻ ነቲ ትኽፈሎ መጠን ከዉሕዶ ይኽእል እዩ።
- ናይ ስራሕ ዲቢዛ ይኹን መሳርሒ ምዕዳግ እቲ ኣስራሒኻ ናይቲ ትጥቀመሉ መሳርሒ፡ ናይ ዉሕስነት መሳርሒ ብመሰረት ሕጊ ኣለባብሳ ናይቲ ናይ ስራሕ ቦታኻ ዘድሊ ናይ ስራሕ ዲቢዛ ከም ጻዕዳ ካምቻን ጸሊም ስረን ዝኣመሰለ ወጻኢታት ባዕሉ እዩ ክኸፍሎ እዩ ዘለዎ።
ካብቲ ክኽፈለካ ዝግባእ መጠን ንታሕቲ ይኽፈለኒ ኣሎ ኢልካ ትሓስብ ዲኻ?
ነቲ ኣስራሒኻ ኣዘራርቦ እዚ ንምግባር ብዙሕ ዘየሰክፈካ እንተደኣ ኮይኑ ነቲ ጉዳይ ምስኣቶም ክትፈትሖ ትኽእል ኢኻ።
ካብ አካስ(ACAS) ምኽሪ ርኸብ፡ ንሳቶም ድማ ዘሎካ ኣማራጺታትን ንቀጻሊ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ክሕብሩኻ እዮም።።
ናብ ናይ አካስ(ACAS) ናጻ መስመር ቴሌፎን፡ 0300 123 1100 ብምድዋል ብዛዕባ ሕጊ ናይ ስራሕ፡ ሕጊ ናይ መጠን ክፍሊትን ምስ ናይ ስራሕ ቦታ ዝተሓሓዝን ክሕግዙኹም ይኽእሉ እዮም እዚ ናይ ሓገዝ መስመር ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ ንግሆ ሰዓት 8 ክሳብ ሰዓት 6 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ዝሰርሕ ኮይኑ ናይ ቋንቋ አስተርጓሚ ዘድልየካ እንተደኣ ኮይኑ እዉን ክቅርቡልካ ይኽእል እዩ።
ርኸቡና
ብዛዕባ ምዝመዛ ናይ ሰራሕተኛ ዝምልከት ሪፖርት ንምግባር ናብ ናጻን ሚስጢራዉን ዝኾነ ናይ ጂኤልኤኤ ናይ ድጋፍ መስመር ይደዉሉ፡ 0800 432 0804
ኢሜይል፡ contact@gla.gov.uk
ወይ ድማ ናብዚ ዝስዕብ ይወከሱ፡ www.gla.gov.uk
ዝኸፍሉኻ ክፍሊት ቸክ ግበሮ
ግቡእ ዝኾነ ክፍሊት ይኸፍሉኻ ከም ዘለዉ ኣብዚ ዝስዕብ ብምምልካት ኣረጋግጽ፡ checkyourpay.campaign.gov.uk
ብዛዕባ ክፍሊትካ ዘሎካ ዝኾነ ጸገም ሪፖርት ግበር
ናትካ ማንነት ብምስጢራዊ መንገዲ ዝተሓዝ ክኸዉን እንከሎ ብዛዕባ እዚ ዝግበር መርመራ ድማ ዉጽኢት ክንነግረካ ኢና፡ www.gov.uk/government/publications/pay-and-work-rights-complaints